• SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

  • By: SBS
  • Podcast

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

By: SBS
  • Summary

  • Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
    Copyright 2024, Special Broadcasting Services
    Show More Show Less
activate_samplebutton_t1
Episodes
  • ዋንነት ውድብ ህወሓት ሓድሽ መካትዒ ዛዕባ ኮይኑ ቀጺሉ።
    Sep 19 2024
    ኣብ ዜጋታት ዘነፃፀረ ጭውያ ተጋዲዱ ይቕፅል ኣሎ ክብሉ ስድራ ግዳያት ነበርቲ ወረዳ ጉሎመኸዳ ገሊጾም። ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩን ካልኦትን ብሰንኪ ውግእ ሕድሕድ ኣዝዩ ተኣፋፍን ውሑስ ብዘይኮነ መንገድን ናብ መረበቶም ክምለሱ ይግደዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ቱርኪየ ንሳልሳይ ዙር ሽምግልና ኢትዮጵያ-ሶማል ብማዕዶ ከተካይድ’ያ ተባሂሉ። ኣፍሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ወንበር ክህልዋ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሓቲቱ።
    Show More Show Less
    7 mins
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (19 መስከረም 2024)
    Sep 19 2024
    ንሎሚ ሓሙስ 19 መስከረም 2024/ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ መበገሲኡን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ዝርርብ ቀዳማይ ክፋል ክቐርብ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓባር ምክራይ መንበሪ ገዛ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰባት ንናይ ገዛ ክራይ ዝግበር ወጻኢታት ንምቑጣብ ምስ ኻልኦት ኮይኖም ብሓባር ገዛ ንምኽፋል እዩ ነዚ ዝምልከት ምርዳእ ብሓባር መንበሪ ገዛ ምክራይ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ በይሩትን ኣብ ካልእ ክፋል ሊባኖስን ፡ መስራሕታት መዛረቢታት ዎኪቶኪን መሳርሒ ጸሓያዊ ጸዓት ተባሪዖም ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ። ገዛውቲ ንዝዕድጉ ሓገዝ ንኽረኽቡ ብሰልፊ ለበር ዝወጸ ሕጊ ኣብ መንጎ እቲ ሰልፍን ሰልፊ ግሪንስ ን ኣዋርሕ ዘተ ክግበር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ደውታ በጺሑ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ኣብ ኤርትራ ጋዜጣታት ብሕቲ ዝተኣገዳሉ መበል 23 ዓመት ይዝክሩ ኣለዉ።
    Show More Show Less
    52 mins
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 መስከረም 2024)
    Sep 19 2024
    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ በይሩትን ኣብ ካልእ ክፋል ሊባኖስን ፡ መስራሕታት መዛረቢታት ዎኪቶኪን መሳርሒ ጸሓያዊ ጸዓት ተባሪዖም ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ። ገዛውቲ ንዝዕድጉ ሓገዝ ንኽረኽቡ ብሰልፊ ለበር ዝወጸ ሕጊ ኣብ መንጎ እቲ ሰልፍን ሰልፊ ግሪንስ ን ኣዋርሕ ዘተ ክግበር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ደውታ በጺሑ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ኣብ ኤርትራ ጋዜጣታት ብሕቲ ዝተኣገዳሉ መበል 23 ዓመት ይዝክሩ ኣለዉ።
    Show More Show Less
    15 mins

What listeners say about SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Average customer ratings

Reviews - Please select the tabs below to change the source of reviews.