• ዋንነት ውድብ ህወሓት ሓድሽ መካትዒ ዛዕባ ኮይኑ ቀጺሉ።
    Sep 19 2024
    ኣብ ዜጋታት ዘነፃፀረ ጭውያ ተጋዲዱ ይቕፅል ኣሎ ክብሉ ስድራ ግዳያት ነበርቲ ወረዳ ጉሎመኸዳ ገሊጾም። ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩን ካልኦትን ብሰንኪ ውግእ ሕድሕድ ኣዝዩ ተኣፋፍን ውሑስ ብዘይኮነ መንገድን ናብ መረበቶም ክምለሱ ይግደዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ቱርኪየ ንሳልሳይ ዙር ሽምግልና ኢትዮጵያ-ሶማል ብማዕዶ ከተካይድ’ያ ተባሂሉ። ኣፍሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ወንበር ክህልዋ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሓቲቱ።
    Show More Show Less
    7 mins
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (19 መስከረም 2024)
    Sep 19 2024
    ንሎሚ ሓሙስ 19 መስከረም 2024/ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ መበገሲኡን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ዝርርብ ቀዳማይ ክፋል ክቐርብ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓባር ምክራይ መንበሪ ገዛ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰባት ንናይ ገዛ ክራይ ዝግበር ወጻኢታት ንምቑጣብ ምስ ኻልኦት ኮይኖም ብሓባር ገዛ ንምኽፋል እዩ ነዚ ዝምልከት ምርዳእ ብሓባር መንበሪ ገዛ ምክራይ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ በይሩትን ኣብ ካልእ ክፋል ሊባኖስን ፡ መስራሕታት መዛረቢታት ዎኪቶኪን መሳርሒ ጸሓያዊ ጸዓት ተባሪዖም ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ። ገዛውቲ ንዝዕድጉ ሓገዝ ንኽረኽቡ ብሰልፊ ለበር ዝወጸ ሕጊ ኣብ መንጎ እቲ ሰልፍን ሰልፊ ግሪንስ ን ኣዋርሕ ዘተ ክግበር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ደውታ በጺሑ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ኣብ ኤርትራ ጋዜጣታት ብሕቲ ዝተኣገዳሉ መበል 23 ዓመት ይዝክሩ ኣለዉ።
    Show More Show Less
    52 mins
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 መስከረም 2024)
    Sep 19 2024
    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ በይሩትን ኣብ ካልእ ክፋል ሊባኖስን ፡ መስራሕታት መዛረቢታት ዎኪቶኪን መሳርሒ ጸሓያዊ ጸዓት ተባሪዖም ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ። ገዛውቲ ንዝዕድጉ ሓገዝ ንኽረኽቡ ብሰልፊ ለበር ዝወጸ ሕጊ ኣብ መንጎ እቲ ሰልፍን ሰልፊ ግሪንስ ን ኣዋርሕ ዘተ ክግበር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ደውታ በጺሑ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ኣብ ኤርትራ ጋዜጣታት ብሕቲ ዝተኣገዳሉ መበል 23 ዓመት ይዝክሩ ኣለዉ።
    Show More Show Less
    15 mins
  • "ምትህልላኽ እንተመጺኡ ትግራይ ክትብተን እያ።" ተጋ/ ሃይለ፡ "ሓይልታት ጸጥታ ንፖለቲካ ትግራይ ከይቋጻጸርዎ ስግኣት ኣለኒ።" ጋ/ሰናይ
    Sep 18 2024
    ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ መበገሲኡን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ዝርርብ። (ቀዳማይ ክፋል)
    Show More Show Less
    25 mins
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2024)
    Sep 18 2024
    ንሎሚ 18 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሊባኖስን ገለ ክፋላት ሶርያን ብኣማእታት ዝቝጸሩ ብኢድ ዝትሓዙ ተተኮስቲ ተፈንጂሩ ፡ ብዙሓት ሞይቶምን ኣሻሓት ቆሲሎምን ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብዛዕባ ኣብታ ግዝኣት 10 ደቀባት ምጥፋኦም ኣፍልጦ ንምርካብ ሰልፊ ኣካይዶም ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓደጋ ከይተወርድ ዓቢ ስግኣት ፈጢራ ዝጸንሐት መርከብ ነዳዲ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝገዓዘት ተፈሊጡ።
    Show More Show Less
    5 mins
  • ምርዳእ ብሓባር መንበሪ ገዛ ምክራይ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
    Sep 17 2024
    ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓባር ምክራይ መንበሪ ገዛ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰባት ንናይ ገዛ ክራይ ዝግበር ወጻኢታት ንምቑጣብ ምስ ኻልኦት ኮይኖም ብሓባር ገዛ ንምኽፋል እዩ ። ነዚ ውሳነ እዚ ክትገብር ከለኻ ፡ እንታይ ቀንዲ ረቛሒታት ኢኻ ኣብ ግምት ከተእቱ ዘሎካ ? ከመይ ጌርካኸ ኢኻ ካብ ምጥፍፋእ ወይ ስካም ክትድሕን እትኽእል ? ኣብዚ ናይ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ብዛዕባ ምስ ብሓባር መንበሪ ገዛ ምክራይ ዝተሓሓዙ ጉዳያት ክንድህስስ ኢና ።
    Show More Show Less
    9 mins
  • ወናኒት ክብረወሰን ማራቶን ኤርትራ ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ን20 ኣዋርሕ ኣብ ቅድድማት ዓለም ከይትሳተፍ ንምንታይ ተኣጊዳ፧
    Sep 17 2024
    ኤርትራዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ክልተ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ኣብ ዝለዓሉ 10 ተርታታት ዝወዳኣቶምን ናይ ክልተ ሰዓትን 20 ደቒቕን 29 ካልኢት ወሲኽካ ብሉጽ ግዜ ዘመዝገበትሉ ሃገራዊ ክብረ ወሰን ዝተመዝገበላን ወሲኽካ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ማራቶን ሓንቲ ካብተን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ዝጸንሐት እያ።
    Show More Show Less
    3 mins
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 መስከረም 2024)
    Sep 17 2024
    ን ሎሚ 17 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ምስግጋር ሰባት ዝግበር ንጥፈት ን ምምካት ኣብ ስግረ ዶባት ዝግበር ምትሕብባር ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዝህሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ፡ ኣፍሊጡ። ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ሰባት ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ፈረንሳ ሓቢሩ። ኣብ ሱዳን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ናዕቢ ብፍላይ ኣብታ ርእሲ ከተማ ሰሜን ዳርፉር ዝኾነት ኤል-ፋሸር ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
    Show More Show Less
    6 mins